Born and raised in Asmara (Eritrea), Tedros Abraham studied at the University of Asmara and at the University of Delhi. He taught English, Eritrean Literature, and Oral Traditions at the University of Asmara and at the College of Arts and Social Sciences (Mai-Nefhi and Adi-Keih campuses). He served as a member of the Eritrean Film Rating Committee and as editor at Hidri Publishers. As a journalist, he worked for Eritrea Profile  and published several newspaper articles on literary, film, art and music criticism. He has been living in Sweden since 2013. He works at the Arbetsförmedlingen (Swedish Employment Services) and is the Treasurer of PEN Eritrea in Exile.

Tedros Abraham, Guest Contributor

ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን፤ ንሓደ ሓድሽ ኣገባብ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም

ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን፤ ንሓደ ሓድሽ ኣገባብ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ንብርኩታትን ብዙሕ ግዜ ዝተበታተኹን ዓለማት ስነ-ጽሑፍ ብመንጽር ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ሕብረተ-ሰባት ይድህስስ።

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ፡ ማቕረብን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ቦታታት፡ ስለ’ቶም ዝውንንዎም ብዙሓት ጽሑፋውያንን ኣፋውያንን ቅደም-መግዛእታዊ ያታታት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ተመኵሮታት መግዛእቲን ሃገራውነትን ተመሪጾም ይርከቡ። እቲ ፕሮጄክት ኣብ ሰለስተ እዋናት ከተኵር’ዩ፤ ምጥንኻር መግዛእቲ፡ ምሕራር ካብ መግዛእቲ ከምኡ’ውን እዚ ህሉዊ እዋን ዓውለማ። ነቲ ናይ ውሱናት ከባቢታት ሓድሕዳዊ ምጽልላው ባህላውያን ያታታት፡ ኣብ’ቶም ውሱናት ከባቢታት ዝካየዱ ክትዓት ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ብሉይን ሓድሽን መልክዓት ብዙሐ-ቋንቋኣዊነት፡ ከምኡ’ውን ንተዋሳእቲን ቴክኖሎጂን ናይ ሕትመትን ኣፋዊ ስራሓትን ክድህስሶም እዩ። 

A performance of “Weg’i Libi” – a Tigrinya play by Beyene Haile – in Asmara.

ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን (ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ.)፡ ኣንጻር’ቲ ንስነ-ጽሑፍ ዓለም ብእንግሊዝኛ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ተርእዮ ደው ንምባል ብምዕላም፡ ንብዙሐ-ቋንቋኣዊነትን ነቶም ንዞባዊን ስግረ-ሃገራዊ ዓውዲታት ስነ-ጽሑፍ ኣበርክቶ ዘለዎም ብዙሓት ረቛሕቲ ከጕልሖም እዩ። እዚ ፕሮጄክት፡ ኣብ ክንዲ ምቕዳሕን ምዝርጋሕን፡ ነቶም ደረኽቲ ለውጢ ኣገባባት ውርሲን ፈጠራን ንኸብርሆም ክጽዕት እዩ።

ብኣፍልጦና ኣብ’ዚ ዘመንዊ እዋን፡ ኣብ መንጎ ህንዲ፡ ሞሮኮን ኢትዮጵያንቀጥታዊ ስነ-ጽሑፋዊ ርክብ ኣይጸነሐን፣ ስለዚ፡ እዚ ፕሮጄክት’ዚ ብዛዕባ ርክባት ዞባታት ወይ ዝምድናታት ዘይኰነ ብዛዕባ ዝደጋገሙ ተርእዮታትን ንጽጽርን’ዩ ክኸውን። ንጽጽር ፋይዳ ዝህልዎ፡ እቲ ክንእምሞ እንዕልም ዘሎ ና ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝተደኰነ ኣገባብ ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ዓለማዊ ዝርጋሐ ዝምርኰስ ህልዊ ኣገባብ ምስ ዝድርዕ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል፡ ንእስያን ኣፍሪቃን ድማ ወሰን ዘቐምጥ ጥማዓዊን ኣጋጋዪን ዝዀነ ግዙፍ ትረኻ ምስ ዝትክእን እዩ።

A performance of “Weg’i Libi” – a Tigrinya play by Beyene Haile – in Asmara.

ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝድኰንን ብዙሐ-ቋንቋኣዊን ኣጋባብ፡ ኣንጻር’ቲ ንኤውሮጳ ከም ኢምበራጦርያዊት ማእክል “ዓለማዊ ስርዓት” መተካእታ ካልኦት “ዞባታት ዓለም” ገይሩ ዝእምት ሓደ ታሪኻዊ መረዳእታ ደው ብምባል፡ ውርሲን ስግረ-ባህሊን ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገባባት ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ስነ-ጽሑፋዊ ድርኺታት ለውጢን ምዕባለታትን ምዃኖም ንኸርኢ ይዕልም፣ እቲ ኢምበራጦርያዊ ማእክልን-መግዛእታዊ ወሰንን ፈላልዩ ዝርኢ መስመር፡ እቲ ኣብ ዑደት ዝነበረ ሓደ መርኣያ ኰይኑ፡ ኤውሮጳዊ ስነ-ጽሑፍ ድማ በዚ መስመር’ዚ ዝቈመ’ዩ ነይሩ።

እቲ ዕላማ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ሓደ ወሳኒ ምትእትታው ንምግባር ወይ ድማ ዳግማይ ንምቕራጽ፡ ከምኡ’ውን ነቲ “ብዙሐ-ቋንቋኣዊ ውሱናት ከባቢታት”ን ሓያሎ “ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታት”ን ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ኤውሮጳን ንዝግበር መጽናዕቲ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ተመረጽቲ’ዮም ንዝብሉ ኣበሃህላ ዝድግፉ ኣገባባት፡ ናይ ስልጠና ስልቲታትን ኣብነታውያን ምጽናዕቲታትን ንምእማምን እዩ። እዚ ፕሮጄክት፡ ምስ ምሁራትን ጸሓፍትን ናይ’ተን ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ዘተኵረለን ዞባታት፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኤውሮጳን፡ ስትራቴጃውያን ምይይጣት ክህልዉዎ እዩ። 

እቲ ፕሮጄክት፡ ብፕሮፌሶር ፍራንቸስካ ኦርሲኒ እናተመርሐ በዞም ዝስዕቡ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣብ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ይካየድ፤ ዶ/ር ካሪማ ላኣቺር፡ ዶ/ር ሳራ ማርዛጎራ፡ ዶ/ር ፋጢማ ቡርነይ፡ ዶ/ር ኢትዜኣ ጎይኮሌኣ-ኣሚያኖ፡ ጁሊ ብላላክ፡ ጃክ ክሊፍት፡ ኣየለ ከበደ ሮባ። ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ. በቲ ብመንጽር ዓውዲታት ምርምራቱ ኣብ ዓለማዊ ክትዓትን ዓውዲታት መጽናዕቲን ምትእትታዋት ንምግባር ዝጥሙሑ ማእክለ ባህላዊ፡ ስነ-ጽሑፋዊን ድሕረ-መግዛእታዊን መጽናዕቲታት ናይ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ይእንገድ። እቲ ፕሮጄክት፡ ን5 ዓመታት ዝካይደ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ድማ ክዛዘም እዩ። ዝተፈላለዩ ርክባት ኣብ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ.ን ካልኦት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሞሮኮ፡ ኢትዮጵያን ሰሜን ህንዲን ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ክካየዱ እዮም።

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ እቶም ሰለስተ ኣብነታት መጽናዕቲታት፡ ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ. ነዚኦም ዝስዕቡ ሕቶታት ክሓትት’ዩ፤

  • ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባን ቋንቋን፡ ኣየኖት’ዮም ነይሮም እቶም ናይ ቀደም “ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታት”፧
  • ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ድዮም ወይስ ዝተፈናጨሉ፧
  • ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ድሕረመግዛእቲን፡ ናይ ሕጂ እዋን ስነጽሑፍ ዓለም፡ ኣየኖት ሓደስቲ ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትተፈጢሮም፧
  • ብኸመይ ኢና፡ ኣብ ቀለልቲ ትረኻታት ዝርጋሐ ሜትሮፖሊታንከምኡውን ቅዳሓት መግዛእቲ ዘይኰነ፡ ኣብ ብዙሕነት ዛንታታትከምኡውን ንዳግመምቛም ሜትሮፖሊታንን ውሱን ከባቢን ብዛዕባ ዘተኵር ናይ ውሱን ከባቢን ስግረሃገራዊን ዝዀነ ባይታ ስነጽሑፍ እንሓስብ፧
  • እቶም ዘመናውያን ጸሓፍቲ ሰሜን ህንዲ፡ ሞሮኮን ኢትዮጵያን፡ ካብቶም ብሉያት ቅድቲታት ስነጽሑፍን ናይ ካልኦት ስነጽሑፋትን እንታይ ወሪሶም፧
  • ብኸመይዮም ነቲ ውርሲን ስግረባህሊን ኣካይዶሞን ብኣየኖት መኣዝናትንከ፧
  • እቶም ናይ ውሱናት ከባቢታት ክትዓት ብዛዕባ ስነጽሑፍ ዓለም ከመይ ዝበሉዮም ጸኒሖም፡ እንታይ ዕድላትን ምርጫታትንከ ፈጢሮም፡ ከምኡውን ስለምንታይ፧
  • ምቛም ስነጽሑፍ ናይ ዘመናዊ ቋንቋ እንታይ ተነጽሎታት ፈጢሩ ይርከብ፧
  • ናይ ቀደም ተዋሳእቲን ዓይነታትን ስነቃልን ብኸመይ ኣብ ዓለም ሕትመትን ካልኦትን ዘመናውያን ቴክኖሎጂን ህላውነቶም ቀጺሉ ይርከብ፣ እንታይ ዝዓይነቶም ሓንፈጻት ኣፋዊንጽሑፋዊን/ዝተሓትመን ስራሓት ማዕቢሎም፧
  • ከመይ ዝበሉ ድርኺታት ለውጢ ናይዞም ብዙሐቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትነይሮምን ኣለዉን፧
  • ሰባት ካብ ሓደ ቋንቋ ንላዕሊ ተጠቒሞም ድዮም ዘንብቡን ዝጽሕፉን፡ ወይሲ ብሓደ ቋንቋዮም ዘንብቡን ዝጽሕፉን ከምኡውን ብኻልኦት ይሳተፉ፧
  • ስነጽሑፋዊ ምስትምቓራቶም ኣብቶም ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብተናጸልዶ ይሕዙዎም ወይ ድማ ይሓዋውሱዎም፧
  • ብመንጽር ናይ ነባቢነት፡ ጸሓፊነት ከምኡውን ጽሑፋዊ ርክባት ዲና ክንሓስብ ዘሎናስ ወይ ድማ ንሶም ብዘይብሉ፧
  • ዝዀነ ካብዚኦም ብዙሐቋንቋኣዊ ፍርያት ስነጽሑፍ፡ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣሎዶ፡ ከምኡውን እንተሎ ብኸመይ፧
  • ከምኡውን ብኸመይዩ እቲ ኣብ ዓለም ዝዝርጋሕ መስቲኦም ኣብ ውሽጢ እዚኦም ዓውድታት ስነጽሑፍ ዝዝርጋሕ ዝተኣሳሰር፧

ፍሉያት ኣብነታውያን መጽናዕቲታት

ዞባታት ዘመናዊ ሰሜን ህንዲ፡ ማቕረብ ከምኡ‘ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ‘ዚ ፕሮጄክት ኣብነታውያን መጽናዕቲታት የቝሙ።