Born and raised in Asmara (Eritrea), Tedros Abraham studied at the University of Asmara and at the University of Delhi. He taught English, Eritrean Literature, and Oral Traditions at the University of Asmara and at the College of Arts and Social Sciences (Mai-Nefhi and Adi-Keih campuses). He served as a member of the Eritrean Film Rating Committee and as editor at Hidri Publishers. As a journalist, he worked for Eritrea Profile and published several newspaper articles on literary, film, art and music criticism. He has been living in Sweden since 2013. He works at the Arbetsförmedlingen (Swedish Employment Services) and is the Treasurer of PEN Eritrea in Exile.
ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን፤ ንሓደ ሓድሽ ኣገባብ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም
ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን፤ ንሓደ ሓድሽ ኣገባብ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ንብርኩታትን ብዙሕ ግዜ ዝተበታተኹን ዓለማት ስነ-ጽሑፍ ብመንጽር ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ሕብረተ-ሰባት ይድህስስ።
ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ፡ ማቕረብን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ቦታታት፡ ስለ’ቶም ዝውንንዎም ብዙሓት ጽሑፋውያንን ኣፋውያንን ቅደም-መግዛእታዊ ያታታት፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ተመኵሮታት መግዛእቲን ሃገራውነትን ተመሪጾም ይርከቡ። እቲ ፕሮጄክት ኣብ ሰለስተ እዋናት ከተኵር’ዩ፤ ምጥንኻር መግዛእቲ፡ ምሕራር ካብ መግዛእቲ ከምኡ’ውን እዚ ህሉዊ እዋን ዓውለማ። ነቲ ናይ ውሱናት ከባቢታት ሓድሕዳዊ ምጽልላው ባህላውያን ያታታት፡ ኣብ’ቶም ውሱናት ከባቢታት ዝካየዱ ክትዓት ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ብሉይን ሓድሽን መልክዓት ብዙሐ-ቋንቋኣዊነት፡ ከምኡ’ውን ንተዋሳእቲን ቴክኖሎጂን ናይ ሕትመትን ኣፋዊ ስራሓትን ክድህስሶም እዩ።
ብዙሐ-ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታትን ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታትን (ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ.)፡ ኣንጻር’ቲ ንስነ-ጽሑፍ ዓለም ብእንግሊዝኛ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ተርእዮ ደው ንምባል ብምዕላም፡ ንብዙሐ-ቋንቋኣዊነትን ነቶም ንዞባዊን ስግረ-ሃገራዊ ዓውዲታት ስነ-ጽሑፍ ኣበርክቶ ዘለዎም ብዙሓት ረቛሕቲ ከጕልሖም እዩ። እዚ ፕሮጄክት፡ ኣብ ክንዲ ምቕዳሕን ምዝርጋሕን፡ ነቶም ደረኽቲ ለውጢ ኣገባባት ውርሲን ፈጠራን ንኸብርሆም ክጽዕት እዩ።
ብኣፍልጦና ኣብ’ዚ ዘመንዊ እዋን፡ ኣብ መንጎ ህንዲ፡ ሞሮኮን ኢትዮጵያንቀጥታዊ ስነ-ጽሑፋዊ ርክብ ኣይጸነሐን፣ ስለዚ፡ እዚ ፕሮጄክት’ዚ ብዛዕባ ርክባት ዞባታት ወይ ዝምድናታት ዘይኰነ ብዛዕባ ዝደጋገሙ ተርእዮታትን ንጽጽርን’ዩ ክኸውን። ንጽጽር ፋይዳ ዝህልዎ፡ እቲ ክንእምሞ እንዕልም ዘሎ ና ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝተደኰነ ኣገባብ ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ዓለማዊ ዝርጋሐ ዝምርኰስ ህልዊ ኣገባብ ምስ ዝድርዕ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል፡ ንእስያን ኣፍሪቃን ድማ ወሰን ዘቐምጥ ጥማዓዊን ኣጋጋዪን ዝዀነ ግዙፍ ትረኻ ምስ ዝትክእን እዩ።
ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ዝድኰንን ብዙሐ-ቋንቋኣዊን ኣጋባብ፡ ኣንጻር’ቲ ንኤውሮጳ ከም ኢምበራጦርያዊት ማእክል “ዓለማዊ ስርዓት” መተካእታ ካልኦት “ዞባታት ዓለም” ገይሩ ዝእምት ሓደ ታሪኻዊ መረዳእታ ደው ብምባል፡ ውርሲን ስግረ-ባህሊን ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገባባት ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ስነ-ጽሑፋዊ ድርኺታት ለውጢን ምዕባለታትን ምዃኖም ንኸርኢ ይዕልም፣ እቲ ኢምበራጦርያዊ ማእክልን-መግዛእታዊ ወሰንን ፈላልዩ ዝርኢ መስመር፡ እቲ ኣብ ዑደት ዝነበረ ሓደ መርኣያ ኰይኑ፡ ኤውሮጳዊ ስነ-ጽሑፍ ድማ በዚ መስመር’ዚ ዝቈመ’ዩ ነይሩ።
እቲ ዕላማ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ሓደ ወሳኒ ምትእትታው ንምግባር ወይ ድማ ዳግማይ ንምቕራጽ፡ ከምኡ’ውን ነቲ “ብዙሐ-ቋንቋኣዊ ውሱናት ከባቢታት”ን ሓያሎ “ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታት”ን ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ኤውሮጳን ንዝግበር መጽናዕቲ ስነ-ጽሑፍ ዓለም ተመረጽቲ’ዮም ንዝብሉ ኣበሃህላ ዝድግፉ ኣገባባት፡ ናይ ስልጠና ስልቲታትን ኣብነታውያን ምጽናዕቲታትን ንምእማምን እዩ። እዚ ፕሮጄክት፡ ምስ ምሁራትን ጸሓፍትን ናይ’ተን ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ዘተኵረለን ዞባታት፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኤውሮጳን፡ ስትራቴጃውያን ምይይጣት ክህልዉዎ እዩ።
እቲ ፕሮጄክት፡ ብፕሮፌሶር ፍራንቸስካ ኦርሲኒ እናተመርሐ በዞም ዝስዕቡ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣብ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ይካየድ፤ ዶ/ር ካሪማ ላኣቺር፡ ዶ/ር ሳራ ማርዛጎራ፡ ዶ/ር ፋጢማ ቡርነይ፡ ዶ/ር ኢትዜኣ ጎይኮሌኣ-ኣሚያኖ፡ ጁሊ ብላላክ፡ ጃክ ክሊፍት፡ ኣየለ ከበደ ሮባ። ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ. በቲ ብመንጽር ዓውዲታት ምርምራቱ ኣብ ዓለማዊ ክትዓትን ዓውዲታት መጽናዕቲን ምትእትታዋት ንምግባር ዝጥሙሑ ማእክለ ባህላዊ፡ ስነ-ጽሑፋዊን ድሕረ-መግዛእታዊን መጽናዕቲታት ናይ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ. ይእንገድ። እቲ ፕሮጄክት፡ ን5 ዓመታት ዝካይደ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ድማ ክዛዘም እዩ። ዝተፈላለዩ ርክባት ኣብ ኤስ.ኦ.አይ.ኤስ.ን ካልኦት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሞሮኮ፡ ኢትዮጵያን ሰሜን ህንዲን ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ክካየዱ እዮም።
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ እቶም ሰለስተ ኣብነታት መጽናዕቲታት፡ ብቋ.ውከ.ኣጂ.ዞባ. ነዚኦም ዝስዕቡ ሕቶታት ክሓትት’ዩ፤
- ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባን ቋንቋን፡ ኣየኖት’ዮም ነይሮም እቶም ናይ ቀደም “ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታት”፧
- ንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ድዮም ወይስ ዝተፈናጨሉ፧
- ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ድሕረ–መግዛእቲን፡ ናይ ሕጂ እዋን “ስነ–ጽሑፍ ዓለም“፡ ኣየኖት ሓደስቲ “ኣገደስቲ ጂኦግራፊያውያን ዞባታት” ተፈጢሮም፧
- ብኸመይ ኢና፡ ኣብ ቀለልቲ ትረኻታት ዝርጋሐ ‘ሜትሮፖሊታን‘ ከምኡ‘ውን ቅዳሓት መግዛእቲ ዘይኰነ፡ ኣብ “ብዙሕነት ዛንታታት” ከምኡ‘ውን ንዳግመ–ምቛም ሜትሮፖሊታንን ውሱን ከባቢን ብዛዕባ ዘተኵር ናይ ውሱን ከባቢን ስግረ–ሃገራዊን ዝዀነ ባይታ ስነ–ጽሑፍ እንሓስብ፧
- እቶም ዘመናውያን ጸሓፍቲ ሰሜን ህንዲ፡ ሞሮኮን ኢትዮጵያን፡ ካብ‘ቶም ብሉያት ቅድቲታት ስነ–ጽሑፍን ናይ ካልኦት ስነ–ጽሑፋትን እንታይ ወሪሶም፧
- ብኸመይ‘ከ‘ዮም ነቲ ውርሲን ስግረ–ባህሊን ኣካይዶሞን ብኣየኖት መኣዝናትን‘ከ፧
- እቶም ናይ ውሱናት ከባቢታት ክትዓት ብዛዕባ ስነ–ጽሑፍ ዓለም ከመይ ዝበሉ‘ዮም ጸኒሖም፡ እንታይ ዕድላትን ምርጫታትን‘ከ ፈጢሮም፡ ከምኡ‘ውን ስለምንታይ፧
- ምቛም ስነ–ጽሑፍ ናይ ዘመናዊ ቋንቋ እንታይ ተነጽሎታት ፈጢሩ ይርከብ፧
- ናይ ቀደም ተዋሳእቲን ዓይነታትን ስነ–ቃልን ብኸመይ ኣብ ዓለም ሕትመትን ካልኦትን ዘመናውያን ቴክኖሎጂን ህላውነቶም ቀጺሉ ይርከብ፣ እንታይ ዝዓይነቶም ሓንፈጻት ኣፋዊን–ጽሑፋዊን/ዝተሓትመን ስራሓት ማዕቢሎም፧
- ከመይ ዝበሉ ድርኺታት ለውጢ ናይ‘ዞም “ብዙሐ–ቋንቋኣውያን ውሱናት ከባቢታት” ነይሮምን ኣለዉን፧
- ሰባት ካብ ሓደ ቋንቋ ንላዕሊ ተጠቒሞም ድዮም ዘንብቡን ዝጽሕፉን፡ ወይሲ ብሓደ ቋንቋ‘ዮም ዘንብቡን ዝጽሕፉን ከምኡ‘ውን ብኻልኦት ይሳተፉ፧
- ስነ–ጽሑፋዊ ምስትምቓራቶም ኣብ‘ቶም ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብተናጸል‘ዶ ይሕዙዎም ወይ ድማ ይሓዋውሱዎም፧
- ብመንጽር ናይ ነባቢነት፡ ጸሓፊነት ከምኡ‘ውን ጽሑፋዊ ርክባት ዲና ክንሓስብ ዘሎናስ ወይ ድማ ንሶም ብዘይብሉ፧
- ዝዀነ ካብ‘ዚኦም ብዙሐ–ቋንቋኣዊ ፍርያት ስነ–ጽሑፍ፡ ዓለም–ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኣሎ‘ዶ፡ ከምኡ‘ውን እንተሎ ብኸመይ፧
- ከምኡ‘ውን ብኸመይ‘ዩ እቲ ኣብ ዓለም ዝዝርጋሕ መስ‘ቲኦም ኣብ ውሽጢ እዚኦም ዓውድታት ስነ–ጽሑፍ ዝዝርጋሕ ዝተኣሳሰር፧
ፍሉያት ኣብነታውያን መጽናዕቲታት
ዞባታት ዘመናዊ ሰሜን ህንዲ፡ ማቕረብ ከምኡ‘ው
ን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ‘ዚ ፕሮጄክት ኣብነታውያን መጽናዕቲታት የቝሙ።